ስሙያት ሰባት ኣብ ኦልደንባርነቨልድ – ብስምረት ንእንነብረሉ ከባቢ ሓያል ንገብሮ
ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ኦልደንባርነቨልድ ብዙሓት ሓደስቲ ነገራት እዮም ዘለዉ። ብዛዕባ’ዞም ነገራት ድማ ካብ ነበርቲ ሓሊፉ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ የልቦን። በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር ኢና – ኣብ ኮማዊ ማእከል ብሮንቨልድ፡ ፕሮጀክት ስሙያት ሰባት (Key Figures project) ኣበጋጊስና እንርከብ። ንጐደናታቶም ኰነ ገዛውቶም ኣብ ምሕያል፡ ውሑስ ኣብ ምግባርን ኣብ ምትሕብባርን ንጡፋት ኰይኖም ዝዋስኡ ተቐማጦ ንምርካብ። ስሙይ ሰብ ዝበሃል፡ ኣብ ማእከል ኮሙ ፍሉጥ ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢኡ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ዝፈልጥ፣ ጽን-በሃልን ሕቶ ይኹን ግድላት ሰባት ኣብ ምምላስ ዝተሓባበርን እዩ። ስሙይ ሰብ፡ ኣላዪ ዘይኰነስ ንተቐማጦ ምስ’ቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ምንጭታት ደገፍ ዘራኽቦም ድንድል እዩ።
ስሙያት ሰባት፡ ምስ ወልዚይን-ባርነቨልድን ካልኦት ኣብ’ዚ ምምሕዳራዊ ከባቢ ዝነጥፋ ትካላትን ብምትሕብባር፡ ንጡፍን ጸዋርን ኮም ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ እጃሞም የበርክቱ። ፍልልይ ነምጽእ – ብኣካል ብምህላው፡ ሕቶታት ብምልዓልን ንሰባት ዝያዳ ብምሕጋዝን ጥራይ።
ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ኦልደንባርነቨልድ እትነብሩ ኴንኩም፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ስሙያት ሰባት በዓል መን ምዃኖም ክትፈልጡ ወይ ከም ስሙያት ሰባት ክትነጥፉ እትደልዩ ዶ ኢኹም? ብዘይቈጸራ ናብ ኮማዊ ማእከል ብሮንቨልድ ክትመጹ ወይ ብኻልእ መገዲ ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኹም። ብስምረት፡ ሓያል ኦልደንባርነቨልድ ንህነጽ!


Pingback: Sleutelfiguren in Oldenbarneveld – Samen maken we de wijk sterker - Buurthuis Bronveld